www.eri-platform.org 

18.09.2019

ውልቀ-መላኽን ኣገልገልቱን ንየው በሎም!


ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ሓንቲ ብማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ዚተዳለወት፡ ብወከልታን ከዳዓትን ኣብ ማሕበራዊ መድያ ዚተዘርግሐት ጭራም ቪድዮ፣ ንሓንቲ ኣብ 2002 ኣብ ፍራንክፉርት ወይ ሽቱትጋርት፡ ጀርመን፡ ኣብ ዚተኻየደ ሰሚናር ዚቐረበት ሕቶ ዚተዋህበ መልሲ ቍንጭል ኣቢልካ ብምቅንባር፡ ምስ ሓንቲ ናይዚ ቀረባ እዋን ፎቶ ዚተሰንዐት ኢያ። ብዚተረፈ፡ መርገጺየይ ኣብቲ ጕዳይ ወትሩ ንጹር ከም ማይ ሓቒቕ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ፡ ጕጅለ-11 ብወግዒ ተኸሲሶም ኣብ ቤት ፍርዲ ኪቐርቡ ወይ ብምሕረት ኪልቀቑ  ምምጓት። ኣብ ወጻኢ፡ ከም ኣምባሳደር መጠን ኣብቲ እዋን’ቲ፡ መንግስቲ ናይ ምውካልን ርእይቶኡ ናይ ምክልኻልን ግቡእ ምፍጻም (ድሒሩ ኣብ መጽሓፈይ፡ ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ፡- ታሪኽ ዓወት፡ ጥልመትን ተስፋን፡ 2014፡ ኣጠቓላሊ ውድዓዊ ገምጋም ዝገበርኩሉ ርእይቶ)።  


መልሰይ፡ ኣብ ደቓይቕ (ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ኤርትራ ካብ ቋንቋ ጥልያን ዚተተርጐመ)  ናይቲ ኣብ ኤምባሲ ኢጣልያ ኣብ ኣስመራ ዚተኻየደ ኣኼባ ኣባላት’ቲ ጕጅለ ምስ ሰነይተር ሪኖ ሰሪ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ዚተመርኰሰ ኰይኑ፣ ከምቲ ድሒሩ ዝገለጽኩዎ “ንሃገራዊ ድሕነት ዚጻረር ኣመት” ነይሩዎ (ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ፡- ታሪኽ ዓወት፡ ጥልመትን ተስፋን፡ 2014፡ ገጽ 305)። እቲ ትራጀዲ ናይቲ ብህያው ምቕባሮም ጥራይ ኢዩ ነቲ ኣብ ሓደ ህሞት ናይ ሕማቕ ሃገራዊ ቅልውላው ዚተኸስተ ምጥፋእ መኣዝንን ዘይለባም ኣተሓሕዛን ካብ ሓያል ነቐፌታ ከናግፎ ዚደረኸ። ዚወደቐ ኦም ኣይቍረጽን’ዩ! 


ማእሰርቶም ብዘይ ግቡእ መስርሕን ገደብ-ኣልቦ ቀይዶም ብዘይ ወግዓዊ ክሲ ኣብ ቅድሚ  ቤት ፍርድን ሓደ ኣብነት ጥራይ ናይቲ ጃምላዊ ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣውን ሲቪላውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ንኣረሜናዊ ግፍዕታት ናይቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ እንተላይ ኣብ ልዕሊ’ቶም ፖለቲካዊ እሱራት፡ ብቐጻልን ብግልጽን ከቃልዕ ጸኒሐ እየ፤ ዚዀነ ኣንጻረይ ዚቐንዐ መጥቃዕቲታት ንሓርበኛዊ መርገጺየይ ኰነ ንተወፋይነተይ ንፍትሒ ከጐናድብ ኣይክእልን ኢዩ። ብከምዚ ዓይነት ዓቕሊጽበታዊ መናውራት ካብቲ ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት፡ ግዝኣተ ሕግን ደሞክራስያዊ ስግግርን ንምስፋን ዘካይዶ ንጡፍ ምጕት ከሰናኽሉኒ ከቶ ኣይክእሉን ኢዮም።


መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ብርኩት፡ ዘየማትእን ዘይርታዕን መርትዖ ናይቲ ስርዓት ህግደፍ ብብድዐ ዚፍጽሞ ጕሉሕ፡ ሰፊሕን ስሩዕን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ሰኒዱዎ ኣሎ። ኤርትራ ሎሚ ብሃውራዊ ማእሰርቲ፡ ገደብ-ኣልቦ ቀይዲ፡ ጽምው ሓብሲ፡ ዘይሕጋዊ ቅትለት፡ ግዱድ ጥፍኣተ-ሃለዋት፡ ደረት-ኣልቦ ንጡፍ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዘይ ግቡእ ዓስቢ፡ ዊንታዊ ድስካለ ካብ ስራሕ፡ ወዘተ.፡ ጋዕዝያ ትርከብ። እዚ ግህሰታት’ዚ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ኢዩ። ኢሳያስን ተለኣኣኽቱን ኣብታ ፍትውቲ ሃገርና ፖለቲካዊ ልምሰት፡ ቍጠባዊ ዕንወት፡ ማሕበራዊ ዝርገትን ባህላዊ  ብልሽውናን ኣምጺኦም ከም ዘለዉ ዚከሓድ ኣይኰነን። ውልቀ-መላኽን ኣገልገልቱን ንየው በሎም! 


- ዓንደብርሃን