ጋዜጣዊ መግለጺ


ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ፦ ታሪኽ ዓወት፡ ጥልመትን ተስፋን 

ክፋል ሓደን ክፋል ክልተን

ታሪኽ ኤርትራ ጅግንነታዊ ቃልሲ፡ ቀጻሊ ጥልመት፡ ነባሪ ተስፋ ይነግር



ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ፦ ታሪኽ ዓወት፡ ጥልመትን ተስፋን (Eritrea at a Crossroads: A Narrative of Triumph, Betrayal and Hope) ንኣመጻጽኣ ናይዛ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ ስርዓት ዚተደኰነት ዘመናዊት ኤርትራን እቲ ዚተናውሐ ጕዕዞኣ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔን ተዘንቱ። ጕዕዞ ዘመናዊ ታሪኽ ናይታ ሃገር ብስምብራት ቀጻሊ ግዳማዊ ምትእትታው ዚተሓላለኸ'ዩ። ዛንታ ናይ' ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ ብሓደ ወገን፡ ዛንታ ጅግንነታዊ ዓወት ኣብ ቃልሲ፣ በቲ ካልእ ድማ፡ ዛንታ ጨካን ጥልመት ናይቲ መበገሲ ዕላማታትን ሃረርታን ናይቲ ምእንቲ ሃገራዊ ሓርነት ዚተኻየደ ነዊሕ ኲናት፡ ዛንታ ደልሃመታዊ ፍሽለት ኣብ ናጽነት'ዩ። ብተወሳኺ፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ንኣመዓባብላ ናይቲ ኣብ እዋን ኲናትን ድሕሪኡን ዚሳዕረረ፣ ዕሙት ዶግማዊ ኣተሓሳስባ ንምስግዳድ ዚሓለነ፡ ግዝኣተ-ሕጊ ዚጥሕስ፡ መሰረታዊ ሲቪላዊ ሓርነታትን ሰብኣዊ መሰላትን ዚግህስ፡ ልምዲ ምዝውታር ሓይሊ ትትርኽ። 

እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንተመኵሮ ኤርትራ ኣብ ህንጸት ሃገር፡ ኣብ ኣወቓቕራ መንግስቲ፡ ኣብ ቍጠባዊ ልምዓት፡ ኣብ ውሽጢ ዓንኬል ናይቲ ድሕሪ ምጽንቃቕ መግዛእቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዚተኸስተ ኵነት ኣእትያ ትግምግም። ንህሉው ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ኣመልኪታ፡ ንጥልመት' ዕላማታትን መብጽዓታትን ናይቲ ምእንቲ ሓርነት፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ክብረትን ራህዋን ዚተኻየደ ኲናት ናጽነትን ዚተኸፍለ ከቢድ መስዋእትን ኣትሪራ ትነቅፍ። ብተወሳኺ፡ ኣንፈት ጕዕዞ መጻኢ ትሕብር። 

ብቃላት ሉዊ ሚሸል፡ ኣባል ፓርላማ ኤውሮጳ፡ ኤውሮጳዊ ኮሚሽነር ልምዓትን ሰብኣዊ ሓገዝን (2004-2009) ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት በልጁም (1999-2004):-

''ንዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ስለ' ብቑዕ መግለጺ ናይ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኲነታት ኣብ ኤርትራ እተስንቕ ጥራይ ዘይኰነ፡ እንተላይ ብዛዕባ መጻኢ ናይታ ምጭውቲ ሃገሩ ኣገደስቲ ሕቶታት እተልዕል፡ ዚለዓለ ክብሪ ዚሓዘለ ትሕዝቶ ዘለዋን ኣዝያ ሓባሪትን መጽሓፉ ዮሃና እብሎ። ኣብቲ ነዊሕ ተመኵሮኡ ከም ተጋዳላይ፡ ከም ላዕለዋይ መንግስታዊ ኣገልጋሊ፡ ከም ኣምባሳደርን ኣብቲ ሃብታም ተመኵሮኡ ናይ ኣፍሪቃን ብምምርኳስ፡ ብውሕልነትን ጽፈትን ኢዩ ጽሒፉዋ።  

''ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ገዛእ ርእሳ መጻኢ ኪትውስን ኪትክእል ኣለዋ። ሓርነት፡ ሓላፍነት፡ ቍጽጽር ኣብ ልዕሊ መጻኢ ዕድላ፡ ምሕዝነት፣ እዚኣቶም እቶም ወሰንቲ ሓሳባት ናይቲ ቀጻልነት መስርሕ ልምዓት ንምርግጋጽ ዚሕግዝ ሓድሽ ራእይ ንኣህጕራዊ ምትሕግጋዝ ኢዮም። እቲ ህጹጽ ኣድላዪነት ምፍጣር ደሞክራስያዊ መንግስቲ ድማ ኣብ መላእ' መጽሓፍ ይንጸባረቕ። ብቑዕ ምሕደራ፡ ኣኽብሮት ሰብኣዊ መሰላት፡ መትከላት ደሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ሰረት ናይታ መጽሓፍ ዘንጽፉ ኣገደስቲ ኣድማሳዊ ክብርታት ኢዮም።   

''ዓንደብርሃን ሓደ ካብቶም ንልዝብ፡ ጽገናን ለውጥን ክፉታት ዚዀኑ ሰብ ራእይ ኢዩ። ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ ነቲ ንኤርትራን ኣፍሪቃን ዘጋጥመን ዘሎ ብድሆታት ንምርዳእ እትሕግዝ መፍትሕ ኢያ። ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ እናበኣሰ ዚኸይድን ነታ ክፍለ-ዓለም ዓትዒቱ ሒዙ ንድሕሪት ዚጐትትን ዘሎ፡ ዚተሓላለኸን ብዛዕብኡ ውሑድ መረዳእታ ዘሎን ቅልውላው ንምልላይ ዓይኒ እትኸፍት'ያ። እዛ መጽሓፍ'ዚኣ፡ ነቲ ዞባ ንምርዳእ ድልዱል ምርምራዊ መሰረት ተንጽፍ፡ ንዚዀነ ንኣፍሪቃ ዚበለጸ መጻኢ ኪሃንጽ ዚደሊ ድማ ዓቢ መበገሲ ነቚጣ ተጣጥሕ። ስለ' ኣብ ኵሎም ኣፍቀርቲ ኣፍሪቃ ቦታኣ እትሕዝ ኣዝያ ክብርቲ መጽሓፉ ዮሃና እብሎ።''

ብቃላት ጋረት ኤቫንስ፡ ቻንሰለር፡ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ኣውስትራልያ፣ ፕረዚደንት፡ ኣህጕራዊ ጕጅለ ቅልውላው (2000-09) ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት ኣውስትራልያ (1988-96)- 



''ተጋዳላይ ሓርነት፡ ምሁር፡ ማእከላይ ባንከኛ፡ ዲፕሎማሰኛ፡ ሕጂ ድማ ጕሁይ ስደተኛ፣ ብዛዕባ' ዘሕዝን ምንቍልቋል ኤርትራ ካብ ዓወት ናብ ትራጀዲ፡ ካብ ዓንደብርሃን ንላዕሊ ኪዝርዝር ዚኽእል ማንም የለን። ኣሻቓሊ ዛንታ ኢዩ፣ ይዅን'ምበር፡ ደራሲ፡ ኣብዚ ንኡድ መጽናዕቲ'ዚ፡ ብምልኣት፡ ብውድዓውነትን ብንጹርን ገሊጹዎ ኣሎ። ዓንደብርሃን ከም ዘነጽሮ፡ እቲ መጻኢ ኪድሕን ይኽእል ኢዩ፣ እዚ ግን፡ ቅኑዓትን ግዱሳትን ኤርትራውያን፡ ምስ ፍናናዊ፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ደገፍ ኣህጕራዊ ኮም፣ ነቲ ዚሓለፈ ኪርድኡ፡ ነቲ ህሉው ኪገጥሙ ምስ ዚኽእሉ ጥራይ ኢዩ። ድምጹ ይሰማዕ።''

(ክፋል ሓደ ISBN 978-1-68235-246-5 ክፋል ክልተ ISBN 978-1-68235-354-7) ብወብሳይት ኣሕታሚ ኪትጥለብ ይከኣል http://sbprabooks.com/AndebrhanWeldeGiorgis ወይ www.amazon.com ወይ www.barnesandnoble.com. 

ኣከፋፈልቲ፡- እዛ መጽሓፍ'ዚኣ Ingram Books ካልኦት ጃምላዊ ኣከፋፈልትን ትዝርጋሕ። ከምኡ'ውን፡ ጃምላዊ ዕድጊ ንድኳናት መጽሓፍቲ፡ ዩኒቨርሲቲታት፡ ኣብያተ-ንባብን ካልኦት ትካላትን ብመንገዲ ኢመይል ኣሕታሚ፦ bookorder@aeg-online-store.com 


https://www.facebook.com/sbpra.us

https://www.instagram.com/strategic_book_publishing/ 

http://pinterest.com/sbpra/

https://twitter.com/SBPRA

https://www.linkedin.com/company/sbpra