www.eri-platform.org

09.02.2021

ውዕሎ ፈንቅል



ፈንቅል ሓራ ዝገበርካ ጎላጉል ሰምሃር ምስ ባሕራ

ኣኽሊል ናጽነት ዝደፋእካላ ንምጽዋዕ ሉል ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ

ተበሃጊት ወደብ ምስ ገማግም ባሕራ

ካባ ሰላም ዘልበስካያ ጸሪግካ መግዛእታዊ መከራ

ሰበርካዮ ትምክሕቲ ገዛእቲ ምስ ካዕቦ ፈኸራ

ኣርዓድካዮም ጀነራላት ዓመጽ ሰብ ጽሩራ

በታተንካዮም ሰብ ጃህራ ካራማራ

ሓነቕካዮም ገበርካዮም ዓፍራ።


ፈንቅል ሓበን ኵርዓት ኢኻ ንህዝብኻ

ኣርዓዶም ኢኻ ንጸላእትኻ

ፈጻሚ ሕድሪ ሰማእታትካ

ነቶም ዝወደቑ ኣብ ጨው ሳሊና እናበሉ ሓደራኻ

ተወፊኻ ንመስዋእቲ ከተተግብር መብጽዓኻ።


ምጽዋዕ ዓይኒ ኣባይ ዘይፍለየኪ ሒዙ መከራ

ፍሉይ ቦታኺ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ።


ዓይንኺ ዝረኣዮ ጅግንነት

ንስኺ ብተስፋ ንሱ ብተወፋይነት

ንስኺ ብሃንቀውታ ንሱ ብሕነት

ህያው ኰይኑ ብስርሒት ፈንቅል በዓል ሕድሪ እምነት።


ፈንቅል ስቓይኪ ቀቢሩ ኣሲሩልኪ ጋማ

ህዝቢ ክቐስን ረኺቡ ጻማ

ዳግማይ ፈንቅል ነበግስ ንሓርነት ብዕላማ

መናእሰይ ክመሃሩ ክዀኑ ሃነጽቲ ከተማ

ከበርክቱ ንምዕባለ ኤርትራ ከም ዓለማ

ወደብኪ ክህነጽ ብግርማ።


ከተማታትና ክዓስለን ናይ ሓጎስ እልልታ

ኲናትን ህውከትን ክትክኣ ብሰሓቕ ዋዕዋዕታ

ወለዲ ደቆም ከምህሩ ብደስታ።


ከተእንግዲ መራክብ ክትኰኒ ማእከል ብልጽግና

ጽርግያታትኪ ክልበጡ ብቕጥራን

ክስለሙ ብዕንባባ ሱሻን

ዝዓንወ ህንጻታትኪ ክህነጽ ብውጥን።


ሕድሪ ፈንቅል ክንፍጽም ሓቢርና

ንቃለስ ኣንጻር ምልኪ ሰሚርና

ህዝብና ክቐስን ክትምዕብል ሃገርና።


- አልጋነሽ ተወልደ


www.eri-platform.org