www.eri-platform.org

ብራሰልስ፡ በልጁም

28 ነሓሰ 2021


ሲምፖዝዩም ኤርትራ 2021

መኽፈቲ መደረ

ምሕያል ተግባራዊ ዓቕሚ ህዝቢ ኣብ ለውጥን ደምክራስያዊ ስግግርን 

ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ


ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ ኤርትራ ሲምፖዝዩም 2021: 

ምዉቕ ሰላምታይ ብምቕዳም፡ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም። 

ኣስዒበ፡ ኣብዚ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ መላእ ዓለም ተላቢዑ፡ ንዅለን ሃገራትን ንዅሎም ህዝብታትን ብዘይ ኣፈላላይ፡ ብኣልማማ ብምጥቃዕ ዛጊት ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ህይወት ሰብ በሊዑሉ ዘሎ ጽንኩር እዋንዚ፣ ኵሉ ስድራቤታዊ፡ ሞያውን ብሕታውን ጕዳያትኩም ኣወንዚፍኩም፡ ካብ ዚተፈላልዩ ኵርናዓት ዓለም፡ ኣብዚ ሲምፖዝዩም ንምስታፍ ብምምጻእኩም ብልቢ አመስግን።

ኤርትራ ሲምፖስዩም 2021 መቐጸልታ ናይቶም ቅድሚ ሕጂ ብሓልዮት ኤሪ-ፕላትፎርም ዚተኻየዱ ሰለስተ ተኸታተልቲ ሲምፖዝዩማት ኰይኑ፣ ኣብዚ እዋን ንኤርትራን ንኤርትራዊ ዳያስፖራን ኣብ ዘገድሱ ሓሙሽተ ቀንዲ ቴማታት ዘተ ከተኵር ኢዩ። ዕላምኡ፡ ኣብዚ ወሳኒ መድረኽዚ፡ ኣብቲ ኣብ ሃገርና ለውጥን ደሞክራስያዊ ስግግርን ንምምጻእ እነካይዶ ቃልሲ (1) ነቶም ዘጋጥሙና ብድሆታት ብውድዕ መሚና ንምምካት፤ (2) ነቶም ዚኽፈቱልና ዕድላት ኣለሊና ብግቡእ ንምጥቃም፤ (3) ዘዐውት ኣገባብ ቃልሲ ንምርዓም ዘኽእለና ኣድማዒ ስትራተጂ ንምድህሳስ ኢዩ። 

ኣብዚ እቲ ናይ ቀረባ ጐደቦና ብብርቱዕ ኲናትን ዓሚቝ ቅልውላውን ዚናወጸሉ ዘሎ ተሃዋሲ እዋንዚ፡ ዘተና ብቐንዱ (1) ብዛዕባ እዋናዊ ሃለዋት ኰነ መሰረታዊ ረብሓ ሃገርናን ህዝብናን ሓባራዊ መረዳእታ ንምዅስኳስ፣ (2) ንፖለቲካዊ መጻኢ ሃገርና ዘርብሕ ሓባራዊ ራእይ ንምምዕባል፣ (3) ኣብ ሃገርና ርእሰ-ምምሕዳራዊ ለውጢ ኣብ ምቅልጣፍን ደሞክራስያዊ ስግግር ኣብ ምድራኽን፡ ተኽእሎ ኣበርክቶና ንምድህሳስ ዚሓለነ ኢዩ።   

በዚ ሓጺር መእተዊዚ፡ ናብቲ ቀንዲ ኣብዚ ዘአከበና ጕዳይ ክኣቱ እየ።

ኦቶ ፎን ቢስማርክ፡ እቲ ውሩይ ፕራሻዊ ፖለቲካዊ መራሕን መሃንድስ ሕብረትን ሃገረ ጀርመን፡ ኣብ ሓደ እዋንፖለቲካ ስነ-ጥበበ ናይቲ ዚከኣል፡ ዚፍጸም - ስነ-ጥበብ ናይቲ ቀጺሉ ዚበለጸ ኢዩ” (“politics is the art of the possible, the attainable – the art of the next best”) ይብል። ካብ እዋን ቢስማርክ ኣትሒዙ፡ እቲ ዝውታረ ርየልፖለቲክ (realpolitik) ኣብ ጕዳይ ሃገር ናብ ደረጃ ምስላ ወይ ብሂል ደይቡ ይርከብ። እዚ ብሂልዚ፡ ሎሚ ምስ ህሉው ኵነታት ሃገርና ብምዝማድ ኪርአ እንከሎ፡ ፖለቲካ ነቲ ህሉው ክዉንነት ናብቲ ኪኸውን ዚግብእ ክዉንነት ንምቕያር ዚሰላሰል ፕራግማታዊ ተግባር ምዃኑ ኪውሰኾ ይከኣል። ማለት፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክዉንነት፡ ኣብ መንጎ እቶም ዘለዉና ባህግታት፡ ተኽእሎታትን ጸጋታትን ሚዛን ዚሓለወ ቀጻሊ ጻዕሪ ብምክያድ፡ ናብቶም እንደልዮም ዕላማታት ገጹ ንምድፋእ ዚዓለመ ፕራግማታዊ ተግባር ኢዩ። 

ኣብዚ እዋንዚ፡ ኣብ ዳያስፖራዊ ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ዚተመዛዘነ ሓባራዊ ባህግታት፡ ተኽእሎታትን ጸጋታትን ዚተመስረተ ጥርናፈ ሃገራዊ ሓይልታት ምፍጣር ርኡይ ተደላይነት ኣለዎ። እቲ ተጐጃጂሉ፡ ስነ-ጥበብ ናይቲ ዘይከኣል ርዒሙ፣ ኣብ ዓንኬል ናይ ሓድሕዳዊ ምምቕቓል፡ ምክሳስን ምትፍናንን ዕንክሊል ኪብል ዚጸንሐ ዳያስፖራዊ ፖለቲካ ኤርትራ ዛጊት ዕቱብ፡ ጥሙር፡ ኣድማዒ ተቓውሞ ከሰላስል ኣይከኣለን። ክንየው ግብራዊ ልምሰት፡ ብዙሓት ኣብቲ ቀጽሪ ተቓውሞ መኣዝኖም ስሒቶም፣ ብዋጋ ረብሓ ሃገሮምን ህዝቦምን፡ ናብ ኣብ ጕዳያት እንዳማቶም ዚቋየቑ፣ ንረብሓ ወረርቲ ዘገልግሉ ከዳዕቲ ሃገሮምን ህዝቦምን ተቐይሮም ኣለዉ። ብሓቂ፡ ሓድሓደ ውልቀሰባት፡ ፖለቲካዊ ጕጅለታትትን ማዕከናት ዜናን፡ ብፍላይ፡ ንቡር ደረታት ጭውነትን ሓላፍነታዊ ኤርትራውነትን ጥሒሶም ኣብ ደልሃመት ናይ በለጻዊ ዕሱብነት፡ ግሁድ ክድዓት ኰነ ርኡይ ከዳምነት ተዋፊሮም ኣለዉ። 

ኣብ ትሕቲ ጕልባብ ናይ ተቓውሞ ኣንጻር መላኺ ስርዓት፡ ሓያሎ ኤርትራውያን ምስቶም ንነዊሕ እዋን፦

  1. 1. ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ወይ መሬት ኤርትራ ኣስፋሕፋሒ ህርፋን ከሰራስሩ ዚጸንሑን ዘሰራስሩ ዘለዉን፤ 
  2. 2. ብግብሪ ዚተራእየ ታሪኽ ናይ ወራርን ግህሰት ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ ዘለዎም፤
  3. 3. ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት፡ እንተላይ ጥርዝያታትን ራስያን ዚፈጸሙ፤
  4. 4. ንኤርትራዊ ሃገርነት፡ ንኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት፡ ንኤርትራዊ ሓድነት፡ ንኤርትራዊ ኮማዊ ስኒት፡ ንኤርትራዊ ባህላዊ ክብርታት፡ ወዘተ. ብቐጻሊ ከዳኽሙን ከጸልሙን ዚጸንሑን ዘለዉን፤   

ተጻባእቲ ባዕዳዊ ሓይልታት ብቕሉዕ ኣሻሪዮም፡ ብንጥፈት ዚድግፉን ብግሁድ ዘማልዱን ኣለዉ። እቲ ዚኸፍአ ድማ፡ ብዘይ ሕፍረትን ጣዕሳን ይቕጽሉዎ ምህላዎም ኢዩ። 

ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ንሓድሽ ወራር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኪዕድሙ፣ ነቲ ብሓይልታት ወያነ ኣብ ልዕሊቶም ኣብ ትግራይ ዚተዓቝቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ኪፍጸም ዚጸንሐ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ክሳብ ምኽሓድ፡ ምንሓፍ ወይውን ምምኽናይ ኪኸዱ ክትዕዘብ ኣዝዩ ዘስደምም ተርእዮ ኢዩ። ምስ ተጻባእቲ ባዕዳዊ ሓይልታት ብምውጋን፡ ቀይሕ መስመር ሰጊሮም፣ ፍጹም ሞራላዊ ጥፍሽናኦም ኣቃሊዖም፣ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ነቲ ዳያስፖራዊ ተቓውሞ ብዝያዳ መቓቒሎምን ነንሓድሕዱ ኣተፋኒኖምን ኣለዉ።   

ኣብ ህይወት ደቂሰብ ኰነ ኣብ ምዕባለ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ፡ ለውጢ ቀዋሚ ረቛሒ ኢዩ። ግዜ ድማ ለውጢ ዘስገድድ ዓቢ ፈታሕ ሽግር ኢዩ፤ ነቶም በብእዋኑ ዚቕልቀሉ ግድላት በብመድረኹ መዕለቢ እናዋደደ የወግን። ኣብ መወዳእታ ትንታኔ፡ ታሪኽ ኣብ ፍርዱ ንዚዀነ ከዳዕ ወይ ዕሱብ ኣየናሕስን ኢዩ። እዋኑ ምስ ኣኸለ፡ እዚ ዅሉ ተሓላቒ ረብሓታት ናይ ተጻባኢ ባዕዳዊ ሓይሊ ብምዃን፡ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ምጥቃን፣ ነቲ ሃገራዊ ሓይሊ ምዝላፍ ኰነ ኣብ ውሽጢ ተቓውሞ ሓድሕዳዊ ምትፍናን ምፍጣር፣ ምስ ኣብቅዐ፤ ብርግጽ ድማ ከብቅዕ ኢዩ፣ ንሃገራዊ ዕርቅን ማሕበራዊ ስኒትን ባይታ ዘጣጥሕ፣ ንዅሉ ዚተፈጸመን ዚፍጸም ዘሎን ክድዓት፡ በደላት ይዅን ገበናት ዚእርም፣ ነቶም ግዳያት ዚድብስ፣ ተሓታትነት ዘረጋግጽ ኣሰጋጋሪ ፍትሒ ምስልሳል ግድን ከድሊ ኢዩ። 

እቲ ኣብ ትሕቲ መድቈስቲ ናይ ሓደ ኣረሜናዊ ውልቀ-መላኺ ንነዊሕ እዋን ብሕሰም ኪሳቐ ዚጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ኣብ ወሳኒ ህሞት ይርከብ። እቲ መወዳእታ ናይቲ ሓሳድ ስርዓትን ብልሽታዊ ኣገባብ ምሕደርኡን ኣብ ደረት ትርኢት ቀሪቡ፤ እቲ ኪስዕብ ዚግባእ ደሞክራስያዊ ስግግር ኪትግበር ዚከኣል ምዃኑ ድማ እናበርሀ መጺኡ ኣሎ። ጸጋታትና ኣኻኺብና ኣድማዒ ስራሕ ንምስልሳል ምስ እንበቅዕ፡ ኣብ ጥርኑፍ ሓባራዊ ጽምዶ ምስ እንኣቱ፡ ንተግባራዊ ዓቕሚ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኰነ ኣብ ዳያስፖራ ዚነብር ህዝብና፡ ኣብ ምሕያል ዓቢ እጃም ከነበርክት ከም እንኽእል እኣምን። ብርግጽ፡ ኣብ ሃገርና ሰላም፡ ፍትሕን ራህዋን ንምስፋን ርእሰ-ምምሕዳራዊ ለውጢ ኣብ ምቅልጣፍ ክንሕግዝ፣ ርጉእ ሰላማዊ ስግግር ናብ ቅዋማዊ መንግስትን ደሞክራስያዊ ምሕደራን ኣብ ምምጻእ ከነበርክት ንኽእል።

ሎሚ እቲ ናይ ቀረባ ጐደቦና ብዓሚቝ ቅልውላው ናይ ኲናት፡ ዘይርግኣት፡ ህውከትን ምትፍናንን ይሕመስ ኣሎ። ብፍላይ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣደዳ ኲናት ሓድሕድን ኣዕናዊ ጐድናዊ ሳዕቤናቱን ኰይኑ ኣብ ሕሱም ስቓይ ይርከብ። በጨቕታ ናይቲ ኲናትን ህውከትን ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን፡ እንተላይ ኣብቲ ዳያስፖራዊ ተቓውሞ፡ ሓያል ኣሉታዊ ስንብራት ከም ዘኸተለ ንኵላትና ብሩህ ኢዩ። ንሓደ ካብቲ ቀንዲ ጠንቅታት ናይዚ ኣሉታዊ ስንብራት ኣብቲ ዳያስፖራዊ ተቓውሞ ንምግላጽ፡ ንሓደ ካብቲ ኣብ 2 ኲናት ዓለም ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ዚነበረ ዊንስቶን ቸርቺል ኣብ ሓደ እዋን ኣጋጢሙኒ ዚበሎ ፍጻሜ ብቓሉ እጠቅስ፦

ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቢቢሲ (BBC) ቃለመጠይቕ ንምክያድ፡ ታክሲ ወሲደ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ፡ ነቲ በዓል ታክሲ፡ ክሳብ ዝምለስ 40 ደቓይቕ ኪጽበየኒ ሓቲተዮ። እቲ በዓል ታክሲንገዛይ ከይደ ንመደረ ዊንስቶን ቸርቺል ክሰምዕ ስለ ዘለኒ፡ ኣይትሓዘለይ፡ ክጽበየካ ኣይክእልንኢሉኒ። በቲ ንመደረይ ክሰምዕ ምድላዩ፡ ኣዝየ ተገሪመን ተሓጒሰን፡ መን ምዃነይ ከይነገርኩዎ፡ ኣብ ክንዲ 5 ፓውንድ፡ 20 ፓውንድ ኣውጺአ ሂበዮ። ነቲ ገንዘብ ምስ ተቐበለ፡ጐይታይ፡ ክሳብ ትምለስ ንሰዓታት ክጽበየካ እየ። ግደፎ ቸርቺል ኣብ ገሃነም ይኺድ፣ ክጽበየካ እየኢሉኒ። 

እቲ ምህሮ ኣዝዩ ንጹርዩ። መትከላት ብኸመይ ብገንዘብ ከም ዚልወጡ የርኢ። ሃገር ንገንዘብ ትሽየጥ፤ ክብረት ንገንዘብ ይሽየጥ፤ ስድራቤታት፡ ኣዕሩኽ ብገንዘብ ተጻሊኦም ይፈላለዩ፤ ሰባት ንገንዘብ ይቐትሉ፣ ንገንዘብ ጊልያታት ኰነ ከደምቲ ይዀኑ፤ ንገንዘብ ሃገሮምን ህዝቦምን ከዲዖም ንጸላኢ ይዕሰቡ። 

እዚ ዅሉ ጥልመትን ክድዓትን ብዘየገድስ፡ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ውሽጣዊ ኤርትራዊ ጕዳይ ምዃኑ፣ መጻኢ ዕድል ኤርትራ ኣብ ኢድ ናይ ዚዀነ ባዕዳዊ ሓይሊ ዘይኰነስ፣ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢድ ናይዚ ሓድሽ ኤርትራዊ ወለዶ፡ ምህላዉ ፍጹም ብምእማን፡ ብኣድማዕነት ንምስራሕ ንበገስ። ኣብዚ ወሳኒ መድረኽዚ፡ እቲ ፕሮ-ደሞክራሲ ዚዀነ ኤርትራዊ ተነጣጣፊ ኣብ ዳያስፖራ፡ ኣብቲ ውሽጣዊ ግጭት ኢትዮጵያ፡ እንተዀነ ኣተዓራቒ ተራ ኪጻወት፡ ብዚተረፈ ድማ፡ ምዙን ዘይሻራዊ መርገጺ ኪሕዝ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ንሕና ብቐዳምነት፡ ኣብቲ ነቲ ህሉው ምልካዊ ስርዓት ብሓደ ኣብ ግዝኣተ ሕጊ፡ ደሞክራስያዊ መትከላትን ኣኽብሮት ሰብኣዊ መሰላትን ዚምስረት፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካእ ዚካየድ ሃገራዊ ጻዕሪ ከነድህብ ይግባእ። 

ሎሚ ኣብዚ ኣብ ትሕቲ ምሕያል ተግባራዊ ዓቕሚ ህዝቢ ኣብ ለውጥን ደምክራስያዊ ስግግርን ዚብል ቴማ ዚጋባእ ዘሎ ሲምፖዝዩም ኤርትራ 2021 ምእንቲ እዚ ዕላማ ኢና ተኣኪብና ዘለና። እቲ ማእከላይ ህሞታዊ ሕቶ፡ ነቲ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ብድሆ ንምምካት ይዅን መድረኻዊ ሓላፍነትና ንምስካም ተቐሪብና ኣለና ዲና፧ ዚብል ኢዩ። ነፍሲ ወከፍና፡ ኣነ ምስቶም ምሳይ ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ዘለዎም ደቂ ሃገረይ ብሓባር ብምስራሕ ነቲ ጾር ክስከሞን ነቲ ዕማም ክፍጽሞን ድሉው ድየ ዚብል ሕቶ ከልዕልን ብጽሞና ኪምልስን ይግባእ። 

ናብቲ ምዱብ ፕሮግራምና ብዝርዝር ቅድሚ ምእታው፡ ምናልባት ብዛዕባ ሓደ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዚተቐልቀለ፣ ነቲ ዳያስፖራዊ ፖለቲካ ኤርትራ ብዝያዳ ዚመቓቕል ኣርእስቲ ሓጺር ሓፈሻዊ መግለጺ ምቕራብ ኣገዳሲ እመስለኒ። እዚ ድማ እቲ  መንግስቲ ኣብ ስደትዚብል እማመ ኢዩ። ከም መበገሲ፡ እቲ እማመ ንገዛእ ርእሱ ሓድሽ ኣይኰነን። ቅድሚ ዓሰርተ (10) ዓመታት ኣቢሉ ካብ ወጻኢ፡ ብደገፍ ግዳማዊ ሓይልታት ኣብ ኤርትራ ስርዓት ንምቕያር ተወጢኑ ብግብሪ ኣብ ፍጹም ፍሽለት ዕንክሊል ኪብል ዚጸንሐ ህውተታ ኢዩ። 

እቲ ዛጊት ዘጋጠሞ ፍሽለት ድማ፡ ንኤርትራን ህዝባን ጸጋ እምበር ዕዳ ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ እቲ ውድዓዊ ውጽኢት ናይ ኵሉ ብግዳም ዚመጽእ ለውጢ፣ ርሑቕ ከይከድና፡ እቲ ንህዝብታት ሶማልያ፡ ዒራቕ፡ ሲርያ፡ ሊብያ ኰነ ኣፍጋኒስታን ዚሕምስ ዘሎ ኣሰቃቒ ክዉንነት እኹል መርኣያ ኢዩ። ስለዚ፡ ከምቲ ብናይ ግዳም ሓይልታት ተሓርዩ ንዒራቕን ህዝባን ኣብ ዓሚቝ ዓዘቕቲ ናይ ቀጻሊ ቅልውላው ዘሸመመመራሒዚኸውን፡ ኤርትራዊ ኣሕመድ ሻላቢ ንህዝብናን ሃገርናን ዚጐድእምበር ዚጠቅም ኣይኰነን።     

እቲ እማመመንግስቲ ኣብ ስደት ብቐዳምነት ኣብቲ ነቲ ብሕብረብሄራዊ ሓድነትን ኮማዊ ስኒትን ዚልለ ሕብረተሰብ ኤርትራ ከምብክልተ ኣተሓሳስባታት፡ ብክልተ ባህልታት፡ ብክልተ ቋንቋታትዚቘመ ሕብረተሰብ ኣምሲሉ ዚገልጽ ግጉይ መቓቓሊ ጕጅላዊ መበገሲ (divisive sectarian premise) ሰረት ዘንጸፈ ኢዩ። እቲ ትግባረ ናይ ከምዚ ዚኣመሰለ ጕጅላዊ ፖለቲካ (sectarian politics) ኣብ ሊባኖስ፡ ነቲ ብቐጻሊ ኲናት ሓድሕድ፡ ምቅትታልን ህውከትን ዚሕመስ ህዝቢ ሊባኖስ ጐዲኡምበር ኣይጠቐመን። እቲ ኣዝዩ ዘሐዝን ዚጠፈሸ ሊባኖሳዊ ክዉንነት ድማ፡ ንኤርትራ ካልእ ሊባኖስ ምግባር፡ ተመሳሳሊ ጕድኣትን ጥፍሽናን እምበር ፋይዳ ከም ዘይህሉዎ ዘረጋግጽ ህያው ኣብነት ኢዩ።

ብዘይካዚ፡ እቲ እማመመንግስቲ ኣብ ስደትዘይምልሶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኣለዉ። (1) ሕቶ ግዝኣተ ሕጊ፡ (2) ሕቶ ውክልና ህዝቢ፡ (3) ሕቶ ግቡእነት ስርዓት፡ (4) ሕቶ ግብራውነት ኣብ ባይታ፡ (5) ሕቶ ውድዓዊ ሳዕቤን ኣብቲ ቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካል ዚካየድ ቃልሲ። እዚኣቶም ገለ ካብቶም እቲ እማመመንግስቲ ኣብ ስደት    ዘይምልሶም፡ ኣብ ቅድሚት ተገቲሮም ዚርኣዩ ጕሉሓት ጕዳያት ኢዮም። 

እቲ ኣብ ስደት ዚቐውምመንግስቲ (1) ሓቛፊ ውክልና ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ኰነ ኣብ ዳያስፖራ ዘይህሉዎ፣ (2) ግቡእ ወይ ሕጋዊ ኣቀዋውማ ዚጐድሎ፣ (3) ግብራዊ ተፈጻምነት ዘይብሉ ይኸውን። ብተወሳኺ፡ ኣብ ክንዲ ከም መመላእታ ናይቲ ዘቤታዊ ደሞክራስያዊ ጻዕሪ መጠን፡ ርእሰ-ምምሕዳራዊ ለውጢ ኣብ ምድራኽ ዘበርክት፣ ንነብሱ፡ ከም መተካእታ ወይ መወዳድርቲ ናይቲ ውሽጣዊ ደሞክራስያዊ ሓይሊ ብምቕራብ፣ ነቲ ብኤርትራዊ ዋንነትን ዓቕምን ምእንቲ ግዝኣተ ሕግን ርጉእ ደሞክራስያዊ ስግግርን ዚካየድ ሃገራዊ ቃልሲ ዚዕንቅፍ ውድዓዊ ስንብራት ከም ዘስዕብ ኣብነት ናይ በዓል ሊብያ እኹል መርኣያ ኢዩ።

ሕጂ ናብቲ ኣብዚ ሎሚ ዘተኣኻኸበና ቀንዲ ጕዳይ ክምለስ። 

ሲምፖዝዩም ኤርትራ 2021 ኣብ ሓሙሽተ ቴማዊ ፓነላት ከተኵር ኢዩ፦

ፓነል 1 ገምጋም እዋናዊ ኵነታት ኤርትራን ዞባን፤ ክፋል 1 ብዛዕባ እዋናዊ ኵነታት ኤርትራን ዞባናን፣ ክፋል 2 ብዛዕባ እቲ ዚምዕብል ዘሎ ጀኦፖለቲካዊ ኵነታት፣ ዚዝቲ።

ፓነል 2 ቃልሲ ምእንቲ ፍትሕን ደሞክራስን ኣብ ዘመነ ሓሶትን ዘይሓቅነትን፤ ክፋል 1 ብዛዕባ ሓበሬታ ብመንጽር ፕሮፓጋንዳ፦ ምምማይ ክዉንን ፈጠራን፣ ክፋል 2 ብዛዕባ ሓድሽ ሚድያ፡ ኣሃዛዊ (ዲጂታል) ዳያስፖራን ፖለቲካዊ ተነጣጣፍነትን፣ ዚዝቲ። 

ፓነል 3  ምሕያል ተግባራዊ ዓቕሚ ህዝቢ ኣብ ደሞክራስያዊ ለውጢ፤ ክፋል 1 ብዛዕባ ውሽጣዊ ደረኽቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ክፋል 2 ብዛዕባ ግዳማዊ ኣቀላጠፍቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ዚዝቲ።

ፓነል 4 እዋናዊ ብድሆታት ኤርትራዊ ተቓውሞ ኣብ ዳያስፖራ፤ ክፋል 1 ብዛዕባ ተወዳደርቲ ኣረኣእያታት ሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ፣ ክፋል 2 ብዛዕባ ልዑላውነት ከም ሃገርን ከም ህዝብን፣ ዚዝቲ።

ፓነል 5 ደሞክራስያዊ ለውጢ ዘቃላጥፍ ጥርናፈ፤ ክፋል 1 ብዛዕባ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዘቃላጥፍ ጥርናፈ፣ ክፋል 2 ብዛዕባ ምህናጽ ሃገራዊ ማዕከን ዜና ወይ ሚድያ፣ ዚዝቲ።

ነፍሲ ወከፍ ፓነል፡ ብሓደ ኣላዛብን ክልተ መደርትን ዚተወደበ ኢዩ። ደድሕሪኡ ናጻ ክፉት ዘተ ይቕጽል። 

ምስዚ ዅሉ ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ፡ እዚ ህሉው ኵነታት ዞባናን ሃገርናን፡ ነቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ብሓደ ወገን ብድሆታት በቲ ካልእ ድማ ዕድላት ፈጢሩሉ ከም ዘሎ ምስትብሃል ኣገዳሲ ኢዩ። 

እዚ ኣብዚ ቅልውላዋዊ ህሞትዚ፡ ኣብ ትሕቲ ምሕያል ተግባራዊ ዓቕሚ ህዝቢ ኣብ ለውጥን ደምክራስያዊ ስግግርን ዚብል ኣርእስቲ ዚሰላሰል ዘሎ ኣገዳሲ ሲምፖዝዩምዚ፣ መድረኽ ናጻ ክፉት ዘተ ብምውዳድ፡ (1) ብዛዕባ ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን ሓባራዊ መረዳእታና ዘዐቢ፣ (2) ብዛዕባ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ሓባራዊ ራእይ ዚዅስኵስ፣ (3) ኣብታ ፍትውቲ ሃገርና ለውጢ ንምቅልጣፍን ርጉእ ደሞክራስያዊ ስግግር ንምድራኽን፡ ብፍላይ ኣብ ፖለቲካውን ዜናውን ዕዮ፡ ብኣድማዕነት ንምቅላስ ናብ ዘኽእል ጥርኑፍ ኣሰራርሓ ብዘምርሕ ውጽኢት ኪዛዘም ተስፋ እገብር። 

ጽን ኢልኩም ስለዝሰምዕኩምኒ አመስግን።

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!

ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!


www.eri-platform.org