www.eri-platform.org


24 ግንቦት 2021

24 ግንቦት 1991 ታሪኻዊት መዓልቲ ሓበን ህዝቢ ኤርትራ 


ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡

ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡

24 ግንቦት 1991 ሓርነት መላእ መሬት ኤርትራ ዘበሰረት ታሪኻዊት ዕለት፡ መዓልቲ ሓበን ህዝቢ ኤርትራ ኢያ። ቅድሚ 30 ዓመታት ከምዛ ሎሚ መዓልቲ፡ 24 ግንቦት 1991 ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ (ህሰሓኤ) ንርእሰ-ከተማና ኣስመራ ፍጹም ብምቍጽጻር፡ ንመላእ ኤርትራ ናጻ ኣውጺኡ። ካብታ ዕለት እቲኣ ኣትሒዙ፡ ኤርትራ ሃገርና ሓንሳእ ንሓዋሩ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ተገላጊላ። ኣብታ ዓሰርተታት ኣሽሓት ብሉጻት ደቃ ዚተሰውኡላ ሃገር ሰላም ሰፊኑ። ኣብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ሽግ ፍጹም ደስታ፡ ሓበንን ተስፋን ተወሊዑ። ተስፋ ንሓርነት፡ ተስፋ ንፍትሒ፡ ተስፋ ንራህዋ።

እምበኣርከስ፡ 24 ግንቦት 2021 ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ፡ መበል 30 ዝክረ-ዓመት ናይታ ባዕዳዊ ሰራዊት ካብ መሬት ኤርትራ ተሓግሒጉ ዚተጸርገላ ታሪኻዊት መዓልቲ ሓበን ብዓቢ ድምቀት የብዕል ኣሎ። እቲ ብተባዕ ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ዚተጨበጠ ዓቢ ታሪኻዊ ዓወት መሰረት ናይ ልዑላዊ ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ኣንጺፉ። ኣብዚ መበል 30 ዝክረ-ዓመት ሓርነት መሬትን መበል 28 ዝክረ-ዓመት ልዑላዊ ናጽነትን ሃገረ ኤርትራ እንጽንብለሉ ዘለና ዕዙዝ ኣጋጣሚ ድማ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምዉቕ ዮሃና ከቕርብ፡ ዓቢ ሓበን እስምዓኒ። ብመንጽር እዚ ሓበንዚ፡ ነቲ ብኣረሜናዊ ጭቈና፡ ጨካን መድቈስቲ፡ ክቱር ድኽነትን ሓሳረ-መከራን ዚልለ ህሉው መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ክዕዘብ እንከለኹ ድማ መሪር ጓህን ዓሚቝ ሓዘንን እስመዓኒ።

ህዝቢ ኤርትራ ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ራህዋ ንምርካብ ተጋዲሉ፤ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ በርጌሳዊ ኰነ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ንምጕንጻፍ ተቓሊሱ፤ ሰላምን ቅሳነትን ንምስፋን ተበጂዩ፤ ዘፍቅሮም ብሉጻት ደቁ፡ ህይወቱ፡ ንብረቱ ከይበቐቐ ወፍዩ። ኣንጻር ዅሉ ሽዑ ዚነበረ ትጽቢታት ፈተውትን ጸላእትን፣ ነቲ ደርማስ መግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰነ፣ እንተላይ ንገዚፍ ምትእትታው ናይቶም ናይ መበል 20 ዘመን ሓያላት ዓለም ስዒሩ፣ ፍጹም ዓወት ዘመዝገበ ጅግና ህዝቢ ኢዩ። ነቲ ብሰሪ ዚተፈጸመ ጥልመት መሰረታዊ ዕላማታት ብረታዊ ቃልስና ኣጋጢሙዎ ዚጸንሐ ናይ ታሪኽ ግሪንቢጥ ንምእራም፣ ነቲ ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ሰብኣዊ ክብረት፡ ቅሳነት ኰነ ራህዋ ንምጕንጻፍ ዘለዎ ዓሚቝ ሃረርታ ክዉን ንምግባር፡ ሓንሳእ ቈሪጹ እንተ ተላዒሉ ድማ፡ ዓጋቲ ከም ዘይብሉ ዘመናዊ ታሪኹ ህያው ምስክር ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ኵሎም ህዝብታት፡ ብሰብኣውን ባህርያውን ጸጋታቱ ደረጃ መነባብሮኡ ንምምዕባል፡ ስድርኡ ብግቡእ ንምንባይ፡ ሕብረተሰቡ ንምስሳን ብዘይ ምሕላል ዚሰርሕ ህርኩት ህዝቢ ኢዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን፡ ሃገራዊ ቍጠብኡ ብብሕትውና ትካላት ህግደፍ ተዓብሊሉ፣ ዕድላት ናጻ ንግዳዊ ንጥፈት ተነፊጉ፣ ኣደዳ ስእነት፡ ድኽነትን ስደትን ከም ዚኸውን ተገይሩ። ኣብዘን ዚሓለፋ 30 ዓመታት፡ ጓንጓ ጭርሖታት፡ ዘይትግበሩ መደባት ልምዓት፡ ዘይፍጸሙ መብጽዓታት፡ ዘይጭበጡ ተስፋታት፣ ኪሰምዕ ጸኒሑ። ጃህራ ፋይዳ ስለ ዘይብሉ ግን፡ ቍጠባና ተረሚሱ፣ ፖለቲካና ተዘሪጉ፣ ሕብረተሰብና ተደቚሱ፣ ስድራቤታትና ተበታቲኑ፣ መንእሰይና ብጃምላ ተሰዲዱ። ዞባውን ኣህጕራውን ቍመና ሃገርና ተበላሽዩ፣ ህዝብና ተዋሪዱ፤ ሃገርና ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ተመሊሳ፣ መስሓቕ ሸራፋት ኰይና። 

ኣብ ርእሲዚ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብቲ ብመሪር ቃልሲ ናይ ዝያዳ ፍርቂ ዘመን ዚተረጋገጸ ልዑላዊ ናጽነት ሃገረ ኤርትራ፡ ንዚተጋህሰ ግዝኣታዊ ምሉእነት ንምምላስን ህላዌኣዊ ስግኣት ንዘንጸላለዎ ሃገራዊ ድሕነት ንምውሓስን፡ ኣብ ኲናት ኪኣቱ ተገዲዱ። እቲ ምእንቲ ልዑላውነት ህዝቢ ዚቃለስ ሃገራዊ ሓይሊ ብኣግኡ፡ ነባሪ ሰላም ንምስፋን ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ ኪኽበር፣ ስርዓታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን ሓድነትን ከብቅዕ፣ ተጣቢቑ። ኣብቲ ደበና ኲናት ዘንጸላልወሉ እዋን፣ ኲናት ብዘይካ ጃምላዊ መቕዘፍትን ዕንወትን ፋይዳ ስለ ዘይብሉ፤ ኪውገድ ከም ዚግባእን ከም ዚከኣልን፤ ኣዘኻኺሩ። 

ሕጂውን፡ ሰላም መተካእታ ስለ ዘይብሉ፡ ኢትዮጵያውያን ንኵሉ ግጭታቶም ኰነ መዋቕራዊ ሽግራቶም፡ ብልዝብ ንኪፈትሑ፡ ደጊሙ የዘኻኽር። ኰይኑ ግን፡ ኲናት ኣብ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያውያን ዚምልከት ውሽጣዊ ጕዳይ ኢትዮጵያ ኢዩ። ንሕና ኤርትራውያን ህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮ ናይ ገዛእ ርእስና ሃገራዊ ጕዳይ ኣለና። 

ግዝኣት ኢሳያስ ሓሳድ፡ ጨፍላቒ፡ ዓመጸኛ ኢዩ። ብግብሪ፡ ንሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ዚጐድእን ንዕላማታት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዚጻረርን ጠላም ሜላታትን ተግባራትን ከሰላስል ጸኒሑ። ነቲ ብሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ተነዲፉ ብቅዋማዊ ባይቶ ዚጸደቐ ቅዋም ኤርትራ ረጊጹ፡ ግዝኣተ ሕጊ ዚግህስ ጨቋኒ ስርዓት ተኺሉ። ንዕላማታት ሃገራዊ ቻርተር ደርብዩ፡ ሃገርን ህዝብን ከም ዊንትኡ እናደሃኸ ኣብ መንገዲ ቍልቍለት ጸሚዱ ብዅሉ መዳያት ናብ ውድቀት ኪደፍእ ጸኒሑ። ብሓጺሩ፡ እቲ ኣረሜናዊ መድቈስቲ ግዝኣት ኢሳያስ ንኤርትራ ሃገርና ናብ ህዝባ ከነብረላ ዘይክእል ምድራዊት ገሃነም ቀይሩዋ ኣሎ። ኮታ፡ እንስሳዊ ስነመጐት ናይብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቈላብምኽታል፡ ንሃገርን ህዝብን፡ ብዅሉ መለክዒታት፡ ኣመና ኣዳኺሙ ንናጻ ልዑላዊ መጻኢ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣውዲቑ። 

እምበኣርከስ፡ እቲ ዚዓበየ እዋናዊ ዕማምና፡ ነቲ ሓሳድ ዓመጸኛ ግዝኣት ኣሊኻ ኣብ ሃገርና ቅዋማዊ መንግስቲ ብምትካል ነቲ ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ ምዅላፍ ኢዩ። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክዉንነትን ህጹጽ እዋናዊ ጠለብን እዚ ካብ ኰነ፣ ተቓውሞ ንኣረሜናዊ ግዝኣት ኢሳያስ ናብ ዚተወሃሃደ ኣድማዒ ሓባራዊ ስራሕ እምበር ናብ ምግፋር ምስ ኣስፋሕፋሒ ህርፋን ወያነ ይዅን ምቅላሕ ናይ መርዛም ኣነዋሪ ጠቐነታቱ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከምርሕ ኣይምተገብአን። እዚ ኣጸያፊ ተግባርዚ፡ ብዚዀነ ሃገራዊ መምዘኒ ኰነ ፖለቲካዊ ቅማረ፡ ምኽኑይ ኣይኰነን። 

ኰይኑ ግን፡ ኣብዚ እዋንዚ፡ ሓያሎ ኤርትራውያን፡ ምስቲ ንህዝቢ ትግራይ ዘየርብሐ፣ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኪዘርግ፡ ንኤርትራዊ መንነት ኪስርዝ ዚጽዕር፣ ንግዝኣታዊ ምሉእነት ኤርትራ ዚግህስ፡ ንህላወ ናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ዚጻባእ ወያናዊ ኣስፋሕፋሒ ህርፋን ወጊኑ ምርኣይ ኣዝዩ ዘገርም ኢዩ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ነቲ ምእንቲ ግዝኣታዊ ምሉእነት፡ ሕብረብሄራዊ ሓድነት፡ ልዑላዊ ናጽነት ኤርትራ ዚጣበቕ ሃገራዊ ሓይሊ ኪዘልፍ ምዕዛብ ዘስደምም ኢዩ። 

ኣብዚ መበል 30 ዝክረ-ዓመት ናጽነት እንጽንብለሉ ዘለና እዋን፡ እቲ ውልቀ-ምልካዊ ግዝኣት እቲ ዚዓበየ ህላዌኣዊ ስግኣት ኤርትራን ህዝባን ኰይኑ ኣሎ። ኣደራዕ ስቓይን ሓሳረ-መከራን ህዝብና ንከብቅዕ፣ ኵሉ ሓርነት፡ ፍትሕን ደሞክራስን ዚደሊ ኤርትራዊ፡ ኣብ ግዳም ይሃሉ ኣብ ውሽጢ፡ ቅኑዕ ሃገራዊ መኣዝን ብምሓዝ፣ ረብሓ ህዝቡን ሃገሩን ብቐዳምነት ሰሪዑ፡ ነቲ ዓመጸኛ ስርዓት ንምእላይ ብዚለዓለ ጥርናፈ ኪቃለስ ታሪኻዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎ አተሓሳስብ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ (ሓምኤ) ምሉእነት መሬቱ ኣምሊሱ፡ ልዑላውነት ሃገሩ ኣውሒሱ፡ ንዅለን ኣሃዱታቱ ናብቲ ኣህጕራዊ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኪስሕብ፣ ንኤርትራ ኣብ ሰልሚ ውሽጣዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ ተሸሚማ ዝያዳ ካብ ምድማይን ምድካይን ከናግፍ፣ ሃገሩ እናተኸላኸለ፡ ዋልታ ህዝቡ ብምዃን፣ ነቲ ህላዌኣዊ ስግኣት ኰይኑ ዘሎ ሓሳድ ግዝኣት ኣብ ምእላይን ርጉእ ስግግር ናብ ቅዋማዊ መንግስቲ ኣብ ምርግጋጽን እጃሙ ከበርክት እጽውዕ። 

ምስዚ ተተሓሒዙ፡ ሰረት ናይ ነባሪ ሰላም፡ ጽቡቕ ጕርብትናን ክልተኣዊ ምትሕግጋዝን ንምንጻፍ፣ እቲ ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት ኣብ ባይታ ክዉን ኰይኑ ዘሎ ምምላስ ግዝኣታዊ ምሉእነትን ምኽባር ልዑላውነትን ሃገረ ኤርትራ ብወግዓዊ ስምምዕ ክልቲአን ሃገራት ሕጋውነት ኪለብስ፣ ብመሰረቱ ድማ፡ እቲ ኣህጕራዊ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዚሓጸረ እዋን ኪኽለል አተሓሳስብ።

በዚ ኣጋጣሚዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ሓይልታት ፍልስጤምን ሰራዊት እስራኤልን ቅድሚ ሳልስቲ ዚተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ መርሓባ እናበልኩ፡ ኣህጕራዊ ኮም ንጕዳይ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ህዝቢ ፍልስጤም ፍትሓዊ ነባሪ ሰላም ዘረጋግጽ መዕለቢ ንምርካብ ኵሉ ዚከኣሎ ጻዕሪ ኪገብር እጽውዕ። 

ኣብ መወዳእታ፡ ኤርትራ ሃገርና ንዅሉ ኤርትራዊ ማዕረ ስለ እትብጻሕ፡ ኵሉ ዜጋ ብማዕረ ናጽነት፡ ማዕረ መሰል፡ ማዕረ ዕድል ዚነብረላ፣ ብውልቃዊ ዊንታ ዘይኰነስ ብቅዋማዊ ሕጊ እትመሓደር፣ ፍትሒ፡ ቅሳነት፡ ራህዋ ዚሰፈና፣ ህዝባ ዚኽበረላ፡ ዚሕጐሰላን ዚሕበነላን ሃገር ንኺትከውን ብምሉእ ዓቕምና ክንጽዕር ይግባእ። ኣብዚ ንሃገራዊ ልዑላውነትና ዚደናደን በጨቕታ ኣስፋሕፋሒ ህርፋን ሰብ-መዝን ፖለቲካዊ ልሂቃንን ኢትዮጵያ ዚደጋገመሉ ዘሎ እዋን ብፍላይ፡ ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ፡ ልዑላውነት ሃገር ንምውሓስ ኰነ ልዑላውነት ህዝቢ ንምርግጋጽ፡ ነቲ ዘለዎ ናይ ኣመለኽኽታ ፍልልያት ኣወንዚፉ፣ ጥርናፈኡ ከዕዝዝ፡ ታሪኻዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎ አዘኻኽር።

ኣብዚ፡ መንእሰይ ኤርትራ ብፍላይ፡ ከም እቲ ቀዳማይ ግዳይ ናይቲ መላኺ ግዝኣት መጠን፡ ኣንፈትካ ከይሰሓትካ፡ ብነባሪ ፍታሕ ክትሓስብ፣ ነቲ ጀጋኑ ኣቦታትካን ኣያታትካን ዘምጽኡዎ ሃገራዊ ልዑላውነት ብምውሓስ፡ ነቲ ተመንዚዑ ዘሎ ልዑላውነት ህዝቢ ንምርግጋጽ ኪትሰርሕ፣ ታሪኻዊ ግዴታ ኣለካ። ኣብ ታሪኽ ዓለምና ክሳብ ሕጂ ምእንቲ ሃገሩን ህዝቡን ዚቃለስ መንእሰይ እምበር፣ ምስቲ ሃገራዊ መንነቱ ኪስርዝ ዚጽዕር ይዅን ምስቲ ብህርፋን ባሕርን ኤርትራ ዓዊሩ ነቲ ዕዙዝ ክብሪ መዓልቲ ናጽነቱ ዘቋናጽብ ባዕዳዊ ሓይሊ ዘሻሩ ኣይተራእየንሞ፣ ንዅሉ ኣስፋሕፋሒ ሕልምታት ብምምካን፣ ልዑላዊ ናጽነት ኤርትራ ንዘልኣለም ብሓበን ኪጽንበል ከም ዚነብር ግበር።

ብኣጋጣሚ ናይዚ ክቡር ጽንብል ንመላእ ህዝብና ደጊመ ዮሃና እብል።

ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!


www.eri-platform.org